ናብ ኢንድራ (Indra)ኵየር፡ ስግረ ጾታውያንን መዕቈቢ ኣዋልድን እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ!

ንሕና ንመንእሰያት ኵየር፡ ስግረ ጾታውያን ሰባትን ኣዋልድን ወይ ንሓዲኦም ደገፍ እንህብ ማሕበር ኢና። እቲ ኣብ ኢንድራ ንህቦ ደገፍ ዲጂታላዊ፡ ምሉእ ብምሉእ ስም ከይጠቐስካ፡ ብዘይክፍሊትን ሪጋ ከይሓዝካን እዩ።

ተዛራቢት ሽወደንኛ ኣይኮንክን ዲኺ? ንሓዝን፡ ብጀካ ብሽወደንኛሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብእንግሊዝኛ ብኻልእ ቋንቋታት ናይ ደገፍ ዝርርብ ኣይንህብን ኢና። ብኡ ምኽንያት ንስኺ ንዓና ዝረኸብክና፡ ብናትኪ ኵነት ዝሰርሕ ደገፍ ንኽትረኽቢ ከነረጋግጽ ንደሊ ኢና።

ፌምፖወርመንት (Fempowerment)

ፌምፖወርመንት፡ ንዓኺ ካብ መቕርብኪ ንዓመጽ ተቓሊዕኪ ዘለኺ ወይ ዝነበርኪ ሓገዝ፡ ደገፍን ብናጻ ሕጋዊ ምኽርን ይህብ። ኣብ ፌምፖወርመንት ብቋንቋታት ሽወደን፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ስጳኛ፡ ሩስያ፡ ፊንላንድ፡ ማንዳሪን፡ ኢራን፡ ትግርኛ፡ ፈረንሳይ፡  ፖላንድ፡  ግሪኽ፡ ጀርመን፡ ኡርዱ/ሂንዱ፡ ሶማል፡ ሰርብያ፡ ክሮሽያ፡ ቦስንያ፡ ኩርዲስታን፡ ቱርኪን ቡልጋርያን ሓገዝን ደገፍን ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ሱማያ መስመር ደገፍ (Somaya stödjour)

ሱማያ ኣብ ስቶኮልም ብተሌፎን ደገፍ ዝህብ ተረኛ እዩ። ዕድሜኺ ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾንክን፡ ናይ ዘቤታዊ ዓመጽን፡ ምስ ክብሪ ዝተተሓሓዘ  ዓመጽን ጭቈናን ወይ ሓዲኡ ግዳይ እንተ ኴንክን ናብ ሱማያ ክትመጺ ትኽእሊ ኢኺ። እተን ኣብ ሱማያ ዝሰርሓ ሰራሕተኛታት ካልእ ገዲፍካ ቋንቋታት ሽወደን፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡   ኢራን፡ ኩርዲስታን፡ ቱርኪ፡ ኡርዱ፡ ሂንዱ፡ ስጳኛ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ቋንቋታት ይዛረባ እየን።

ማእከል ግዳያት ገበን (Brottsofferjouren)

ማእከል ግዳያት ገበን፡ ንግዳያት ገበን፡ ምስክርን ኣዝማድን ብብዙሕ ቋንቋታት ደገፍ ይህብ። መን ምዃንክን ግዳይ እንታይ ዓይነት ገበን ምዃንክን ኣየገድስን እዩ። ማእከል ግዳያት ገበን ኣብ ምሉእ ሽወደን ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሌኺ ዝተፈጸመ፡ ገበን ድዩ ኣይኮነን ዋላ ርግጸኛ ኣይትኹኒ ምስ ማእከል ግዳያት ገበን ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ኣር.ኤፍ.ኤስ.ኤል  ኣገልግሎት ደገፍ (RFSL Stödmottagning)

ኣር.ኤፍ.ኤስ.ኤል ነተን ንምጭናቕ፡ ምፍርራሕን ዓመጽን ግዳያት ዝኾና ሆበተክዩ-ሰባት ዝኸውን ሓደ ደገፍ ዝህብ ኣገልግሎት ኣለዎ። እቲ ደገፍ ንኣብነት ኣብ ቦታ ተረኺብኪ ብዝግበር ዝርርብ፡ ብተሌፎን፡ ዝርርብ ብቪድዮ ወይ ኢ-መይል ክኸውን ይኽእል እዩ። ብቋንቋታት ሽወደን፡ እንግሊዝ፡ እስጳኛ፡ ዓረብ ወይ ብሓገዝ ኣስተርጓሚ ናይ ዝርርብ ደገፍ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ዩሞ  (Youmo)

Youmo.se ብዛዕባ ኣካላት፡ ዝምድናታትን ጥዕናን ሓበሬታ ዘለዎ መርበብ ሓበሬታ እዩ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ መሰላትኪ፡ ጽቡቕ ንኽትህልዊ ከመይ ገርኪ ሓገዝ ክትረኽቢ ከም እትኽእሊን ናይተን ኣብ ሽወደን ዘለዋ ናይ መንእሰያት ክሊኒካት ናይ ርክብ ሓበሬታ ከመይ  ገርኪ ከም እትረኽብን ከተንብቢ ትኽእሊ ኢኺ። ብዓረብኛ፡ ዳሪ፡ ሶማልኛ፡ ትግርኛን ሽወደንኛን ጽሑፍ፡ ስእልታትን ፊልምታትን ኣሎ።

ኮል ፖ ሱስ (Koll på soc)

ኣብ መርበብ ሓበሬታ “koll på soc” ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብዛዕባ ንቘልዑን መንእሰያትን ንምሕጋዝ ዝገብርዎ ስራሕ ሓበሬታ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ። ብቐሊሉን ብቕልጡፍን ኣብቲ ትነብርሉ ቦታ ናይ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ርክብ ሓበሬታ ክትረኽቢ ትኽእሊ።  ከም’ውን ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ክትድውልሉ ትኽእሊ ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ተረኛ ቍጽሪ ተሌፎን እውን ኣሎ። እቲ ሓበሬታ ብዓረብኛ፡ እንግሊዝኛን ሽወደንኛን ኣሎ።

1177

ኣብ På 1177.se ብዛዕባ ጥዕና፡ ሕማማትን ምስ ኣየኖት ክሊኒካት ክትራኸቢ ከም ትኽእሊን ምኽሪ ትረኽቢ። ኵሉ ኣብ ሽወደን ዘሎ ሰብ  ዜጋ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ኣገልግሎት ጥዕናን ክንክን ሕማምን ክረክብ መሰል ኣለዎ። ኣብዛ መላግቦ በየኖት ቋንቋታት ምኽሪ ክትረኽቢ ከም ትኽእሊ ክትርእዪን ናብኡ ጠዊቕኺ ክትሰጋገሪን ትኽእሊ ኢኺ።